ንተመሃሮ ዝውሃብ ክታባት

ኣብ ክቪነስዳል እተመዝገቡ እሞ ኣብ ቀውዒ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዜጽንዑ ሰባት ብተሌፎን + 47 46 86 49 94 ምስ ጕጅለ ክታበት ብምርኻብ ክታበት ክወስዱ ድሌት ከምዘለዎም ክሕብሩ ይሕተቱ። ኣብ ካልእ ቦታታት ኖርወይ ዘለዉ ተማሃሮ ተራኦም ስዒቦም ብመሰረት መምርሒ ኣብ ክቪነስዳል ናይ መጀመርታ ዓቐን ክታበት ክወስዱ ክጽውዑ ኢዮም፡ ብመሰረት ዝርዝር ቀዳምነታት ትካል ህዝባዊ ጥዕና ይኸዉን። ካልኣይ ዓቀን ክታበት እውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ክወሃብ ይኽእል ኢዩ።

ኵነታት ክታበት

ክሳዕ ሕጂ 2075 ሰባት ኣብ ምምሕዳር ኮምዩን ክቪነስዳል ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።
ካብዚኣቶም 1588 ክልተ ዓቐን ክታበት ተቐቢሎም ኣለዉ፡ በዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም
ኣለዉ።
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ 271 ሰባት ክኽተቡ እዮም። ኣብ እትቕጽል ሰሙን ከኣ 228 ዓቐን ክታበት
ክንረክብ ትጽቢት ንገብር ።
እቶም ክታበት ዝወስዱ ብቐጻሊ ክንሕብር ኢና ።
ኩሎም ክሳዕ 1955 እተወልዱ ንነፍሲ ወከፍ ክታበት ኮሮና ክወስድ ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ።
ንሕና ድማ ነቶም ኣብ ጉጅለ ሓደጋ ዘለዉ ክታበት ኣብ ምሃብ ንርከብ ኣሎና ።

ዅነታት ምርመራ

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል ቍጽሪ እቶም እተመርመሩ ሰባት 3890 እዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ
3 ሰባት ንበይኖም ተገሊሎም ኣለዉ፡ ዋላ ሓደ ኸኣ ዝተወሽበ የብልናን ። እቶም ገዛእ ርእሶም
ክምርመሩ ዝደልዩ ነቲ መርመራ ብቕልጡፍ ምላሽ ምእንቲ ኽንህበሉ ብእተኻእሎም መጠን
ቀልጢፎም ኣብ ሕክምና ቆጸራ ክሕዙ ምኽሪ ንህቦም ።

መትረብ ሓበሬታ

ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ምምሕዳርና መርበብ ሓበሬታና እዩ። ኣብ www.helsenorge.no
ኰነ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ህዝባዊ ጥዕና www.fhi.no ብዛዕባ ኮሮናቫይስ ብዙሕ ሓበሬታ
ክርከብ ይክኣል ።