ሰለስተ ዶስ ክታበት ዝወሰድኩም ሰባት እወታዊ ዉጽኢት ርእሰ-ምርመራ ንምርግጋጽ መርመራ ..ኣር. ክትወስዱ የብልኩምን

• መሐደሲ ክታበት ዶስ ዝወሰድካ ወይ ክልተ ዓቐን ክታበት ዝወሰድካ ከምኡውን ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ COVID-19 ዝነበረካ፡ ርእሰ ምርመራ ዝህቦ እወታዊ ውጽኢት ንምርግጋጽ ፒ.ሲ.ኣር. ክትወስድ የብልካን። (እወታዊ ውጽኢት ክበሃል ከሎ እቲ መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዘሎካ ዘርኢ ማለት ኢዩ።)

 

• ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምምሕዳራትን ኣብያተ - ምርምርን ናይ መርመራን ናይ ምትንታን ዓቕሚ ብዙሕ ጽዕንቶ ኢዩ ዘሎ ። ነቲ ኣብ ምምሕዳራትን ኣብያተ-ምርምርን ዘሎ ጾር ምእንቲ ኸይትውስኸሉ፡ ዘየድልየካ እንተ ዀይኑ ፒ.ሲ.ኣር. ክትወስድ የብልካን።

 

• ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ጕጅለታት እንተ ድኣ ኣሊኻ፡ ውጽኢት ናይቲ ርእሰ መርመራ ንምርግጋጽ ፒ.ሲ.ኣር. (ወይ ካልእ መርመራ) ንምግባር ምስ ምምሕዳር ኮምዩን  ተዘራረብ -

   • ክሳዕ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ (ብሰንኪ ክታበት)

   • ክታበት ዘይወሰዱ

   • ኣብ ሓደገኛ ጕጅለታት / ኩነታት ጥዕና ዘለዉ ሰባት

   • ሰለስተ ዓቐን ክታበት ዘይተዋህቦም እሞ ምስክር ወረቐት ኮሮና ዘድልዮም ሰባት

 

ምልክታት ሕማም እንተ ኣልዩካ ርእስኻ ተመርመር

ርእሰ መመርመሪ ናውቲ ካብ ምምሕዳር ኮምዩን ብናጻ ክውሰድ ይክኣል።

 

ርእሰ መርመራ ኣብዚ ዚስዕብ ቦታታት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ፦

• ኣብ ምምሕዳር ኮምዩን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት

• ክቪናባደት  Kvinabadet

• ቤተ-መጻሕፍቲ

• ሲነማ

• ኩፕ ፕሪክስ ፌዳ Coop Prix Feda

• ኩፕ ማርኬት ክቪንሎግ Coop Marked Kvinlog

• ክናበን ላንድሃንደል Knaben Landhandel

 

 

መመርመሪ ናውቲ ኣብ መእተዊ ሰዓታት ክውሰድ ይከኣል እዩ ።

 

 

መመርመሪ ናውቲ ዝወስድ ሰብ ካብ ምልክታት ሕማም ናጻ ኪኸውን ከም ዘለዎ ነዘኻኽር

ምልክታት ሕማም እንተ ኣልዩካ እሞ መርመራ ንኽትወስድ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሰብ እንተ ዘይብልካ፡ ናብ ተሌፎን ኮሮና ደዉል።

 

መመርመሪ ናውቲ ንምውሳድ እውን ምስ ተሌፎን ኮሮና ኽትራኸብ ትኽእል።

ኮሮና ተሌፎን 46 86 49 94 ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት ኻብ 08፡00 ክሳብ 14፡00 ክፉት እዩ።

ተረኛ ኮሮና ተሌፎን 41 70 80 60 ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብ ሰዓታት ኻብ 12፡00 ክሳዕ 14፡00 ክፉት እዩ።

 

ክሎም ዉጽኢት ርእሰ መርመራ እወታዊ ዝረኸበ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንሽዱሽተ መዓልቲ ክውሸብ ኣለዎ፡ካብዚ ሓሊፉ እውን ምስኡ ቀረባ ርክብ ዝነበርዎ ክሕብሮም ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ኣብ helsenorge.no ሓበሬታ ብዛዕባ ዉሽባ ክርከብ ይክኣል

 

ምምዝጋብ እወታዊ ውጽኢት ርእሰ-መርመራ  

• ገዛእ ርእስኻ ብምምርማር እወታዊ ዉጽኢት እንተ ረኺብካ (እቲ መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዘሎካ ኢዩ ዘርኢ) ክትምዝገብ ንሓተካ።

• ነዚ ለብዒ ምእንቲ ኽንከታተሎ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት እወታዊ ዉጽኢት መርመራ ኺምዝግቡ ኣለዎም።

• ብዛዕባ እዚ ኣብ https://hjemmetest.remin.no/kvinesdal እወታዊ ውጽኢት መርመራ ክትምዝግብ ትኽእል ኢኻ።

እወታዊ መርመራ ገዛእ ርእስኻ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ኽትምዝግብ እንተ ዘይክኢልካ ብ46 86 49 94 ተሌፎን ኮሮና ብምድዋል ሓገዝ ኽትረክብ ትኽእል።

 

ብዛዕባ ርእሰ-መርመራን ድሕንነትን።

• ገዛእ ርእስኻ ምምርማር ዝህቦ እወታዊ ዉጽኢት ርግጽ ኢዩ። እቲ ውጽኢት መርመራ ኸም ዝሓመምካ ዜርኢ ስለዝኾነ ቅኑዕ ከም ዝዀነ ጌርካ ክትወስዶ ይክኣል ።

• ንገዛእ ርእስኻ ብምምርማር ዘምጽኦ እወታዊ ውጽኢት ንምርግጋጽ ካልእ መርመራ እንገብረሉ ዝኾነ ልብዒ ንምቁጽጻር ኢልና ነቕርቦ ዝኮነ  ምኽንያት የለን።