ሓደ ሰብ ኣብ ምምሕዳር ክቪንስዳል ናይ ዓባይ ስዓል ምልክት ተረኪብዎ ኣሎ። እቲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ምክንካን ይርከብ ኣሎ። ከምኡ ውን ብምምሕዳር ኣገልግሎት ጥዕና  ምክትታል ይግበረሉ ኣሎ።

እታ ንለበዳ እተጻሪ ናይ ምምሕዳር ጉጅለ ውን እቲ ዝተለክፈ  ሰብ ምስ መን ርክብ ከምዝገበረ ኣብ ሓበሬታ ምእካብ ተዋፊራ ትርከብ። ከምኡውን ኩሎም ርክብ ዝነበሮም ምስቲ ዝተለክፈ ሰብ ናብ መርመራ ከም ኣድላይነቱ ክጽውዑ እዮም።

ኣመሓዳሪ ፐር ስቨረ ክቪንላግ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምምሕዳር ናይ መቆጻጸሪ ዓባይ ስዓል መደብ ክስዓብ ዘለዎ ኣሎ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜታት ክኽሰት ከሎ ብምባል ሓቢሩ ኣሎ።

እቶም ንዝያዳ መልከፍቲ ክቃልዑ ዝክእሉ ሰባት ጥራይ እዮም ዝጽውዑ መርመራ ንክግበረሎም። እቶም እዋናዊ መርመራታት ከኣ ናይ ደም መርመራን ናይ ሰናቡእ ራጂ ምውሳድን እዮም። እዚ ድማ ኣብ ሆስቢታል እዩ ዝግበር ኣብ መብዛሕትኡ ክስተታት።

ዓባይ ስዓል ናይ ለበዳ ተክእልኡ ዝተሓተ እዩ ብምውድዳር ምስ ካልኦት ሕማማት። ከምኡውን እቲ ለበዳ ጽዑቅ ርክብ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ  እዩ ዝጠልብ። ለበዳ ዓባይ ስዓል ካብ ሓደ ናይ ሳንቡእ ዓባይ ስዓል ዘለዎ ሰብ ባክተርያ ብውሳድ ብኣየር ብምጉዓዝ ዝልብድ ሕማም እዩ።

ካብ ተመክሮታት ዝተራጋገጸ: ካብቶም ጥቡቅ ርክብ ዝነበሮም እቶም ፍርቂ ጥራይ እዮም ዝልከፉ። ከምኡ ውን ውሑዳት እዮም ሕማም ዘማዕብሉ ካብቶም ዝተለክፍ።  ምምሕዳር ኣገልግሎት ጥዕና ዝኮነ ትክእሎታት ኣይወሰደን ዘሎ መርመራ ንክገብረሎም ነቶም ኩሎም ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ምስቲ ዝተለክፈ ሰብ ክብል ኣመሓዳሪ ፐር ስቨረ ክቪንላግ ሓቢሩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ዓባይ ስዓል ኣብ ወብሳይት ማእከል ህዝባዊ ጥዕና (FHI) ከይድካ ከተንብብ ትክ እል ኢካ።

https://www.fhi.no/sv/smittsomme-sykdommer/tuberkulose/tuberkulose---faktaark/