Hopp til toppmenyen på siden Hopp til hovedinnholdet på siden

Tigrinja

ጋዜጣዊ መግለጺ 04.06.21

እዋኑ ኽረምቲ እዩ፡ ኵነታት ኣየር ድማ እንዳሞቐ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ ክታበት ኣብ ምሃብ ንርከብ፡ ኣብ ክቪነስዳል ዝርከቡ 1409 ሰባት ድማ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ወሲዶም ኣለዉ። ካብ ነበርቲ ፡ ጕጅለ ክታበትን ወለንተኛታትን ኸመይ ከም ዘተኣናግድዎም ብዙሕ ባህ ዜብል ርእይቶ ሂቦምኒ ኣለዉ። ብስርሖምም እሕበን እየ፡ ነዚ ርእይቶታት ድማ ነመስግን ። ማሕበረሰብ ከም ብሓድሽ ኪኽፈት እኳ እንተ ጀመረ ኣብ ምምሕዳር ዞባና ግና ልዑል መጠን ረኽሲ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ሕጂዉን ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና፡ መጠን ረኽሲ ምእንቲ ኽንኪ ኸኣ ብሓባር ደው ክንብል ኣሎና ማለት ኢዩ። ሰነ፡ ኽረምትን ቤት ትምህርትን ዚዕጸወሉ እዋን እዩ። ኣብ ካልእ ዓንቀጽ ኣየናይ ምኽርን ሕግታትን ከም ዝምልከት ዚገልጽ ሓበሬታ ኣቕሪብና ኣለና። ኣብዚ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ ። ኹሎም ነበርቲ ምምሕዳርና ጽቡቕን ድሕንነት ዘለዎን ቅድመ-ክረምቲ ቀዳመ-ሰንበት ክኾነሎም ንምነ።

Per Sverre Kvinlaug

27.05.21

መንግስቲ ኻብ ፍርቂ ለይቲ፡ ናብ ሎሚ 27 ግንቦት ዘውግሐ፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ መደብ ዳግመ ምክፋት ኣምሪሑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ካብዚ ሎሚ ዘሎ ንላዕሊ ሰባት ኺእከቡ ይኽእሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝህሉ ጉዕዞታት ከይግበር ኣይመክርን ። ብዛዕባ እዚ መደብ ዳግመ ምኽፋት ኣብዚ ኣንብብ። 

Nasjonale tiltak fra 27.05.21

ጋዜጣዊ መግለጺ 15.04.21

መንግስቲ ካብ ዓርቢ 16.04.21 ለይቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ሓድሽ ሃገራዊ ስጕምትታት
ብሰሉስ ኣቕሪቡ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ከባቢና እንህቦ ኣገልግሎት እንደገና ብዝበለጸ ኽንከፍቶ
ከኽእለና እዩ።

Nasjonale tiltak fra 16.04.21