ርሑስ በዓል ትንሳኤ!
ሕጂ በዓል ትንሳኤ ኣትዩ እዩ ዘሎ ፡ ሎሚ ዓመት እውን ዝተፈልየ በዓል ትንሳኤ ክኸውን እዩ ።
ኣብዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ተሪር ስጕምትታት ተኣታትዩ ኣሎ ። ዝርጋሐ እዚ ለበዳ ምእንቲ ክንኪ ፡
ንኹሉ ምሕጽንታታትን ስጉምትታትን ዝተኸተልኩም ኩላትኩም ኣብ ኬቪንስዳል ዝርከባ
ሰፈራታት ትርከቡ ነበርቲ ከመስግነን እደሊ ።
በዓል ትንሳኤ ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ብሓባር ወግዒ ዝገብሩሉ በዓል
እዩ ። እዛ ዓመት እዚኣ ፡ በዚ ሃገራዊ ስጒምቲ ዝተሓጽረት እኳ እንተ ኰነት ፡ ዕድለኛታት ኢና ፡
ክንጥቀመሉ እንኽእል ዓብዪ ባህታ ዝህብ ተፈጥሮ ድማ ኣሎና ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢኦም
ብዙሓት ሰባት ዘይብሎም ንሕሰብ: ብተሌፎንን ዲጂታላዊ መፍትሒታትን ተጠቒምና ነቶም ሓጐስ
ዝደልዩ ነካፍል ። ነቶም ኣብ በዓል ትንሳኤ ንዅልና ቅሳነት ክትህቡ ኣብ ስራሕ ትወፍሩ፡ ዝያዳ
የመስግነኩም ፡
ከንቲባ ከም ምዃነይ መጠን ፡ ነዚ ለበዳ ንምንካይ ነፍሲ ወከፍኩም እትገብርዎ ዕዮ ምስጋናይ
የቕርብ ። ብሓባር ደው ንብል፡ ብሓባር ከኣ ነዚ ክንሓልፎ ኢና ።
ንኹላትኩም ርሑስ በዓል ፋሲካ ክዀነልኩም እምነ!
ውድድር በዓል ትንሳኤ
ኣብ ውድድር በዓል ትንሳኤ ንኽትሳተፉ ክድርኸኩም ደስ ይብለኒ ። ኣብዚ ዉሽጢ መዓልቲ ነዚ
ውድድር ኣብ ናትና ፌይስቡክ ኽንልጥፎ ኢና ። "ሓጐስ በዓል ትንሳኤ" ኣብ ትሕቲ ዝብል
ኣርእስቲ ፡ ደረቕ ስእልታትን ቅብኣታትን ክንቅበል ንደሊ ኢና ። እቲ ስእልን ቅብኣን ፡ ኣብ እዋን
ውድድር 26.03.21 - 05.04.21 ፡ ኣብ ክቪንስዳል ዝተሰርሐ/ዝተሳእለ ክኸውን ኣለዎ ።
ንሓደ ሰብ ሓንቲ ቅብኣ / ደረቕ ስእሊ ከቕርብ ጥራይ እዩ ዝከኣል ። ዕዉታት ድሕሪ በዓል ትንሳኤ
ክርቑሑ እዮም ።
ክልተ ውድድራት ኣሎ:
● ኣብ ገጽ ፌይስቡክ ናይ ምምሕዳር ናይ ስእሊ ውድድር ፡ ኣብ
Handelshuset Kvinesdal ንጥቀመሉ ክሮነር 500 ዝዋግኡ 3 ናይ
ህያብ ካርድታት ዘለዎ ዉድድር። ኣብ ፌይስቡክ ዘሎ ገጽና ዝያዳ ኣንብብ ።
● ንቘልዑን መንእሰያትን ክሳብ ደቂ 16 ዓመት ዝኸውን ዝግበር ውድድር ቅብኣ ፡
ስእሊ ናይቲ ቅብኣ ናብዚ ኢመይል ስደድ ፥
konkurranse@Kvinesdal.kommune.no ። 3 ካርዲታት ናይ
ክሮነር 500 ንብልጫ ክቕርብዩ: እዚ ካርድ እዚ ኣብ Handelshuset
Kvinesda ክንጥቀመሉ ይከኣል ።
ኩነታት ክታበት
ክሳብ ሕጂ 843 ሰባት ኣብ ምምሕዳር ክቪነስዳል ክታበት ተዋሂብዎም ኣሎ ። 303 ካብዚኣቶም
ክልተ ናይ ክታበት ዶዝ ወሲዶም ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም ኣለዉ ።
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ልዕሊ 78 ዓመት ዝርከቡ ጕጅለ ፡ 92 ሰባት ቀዳማይ ዶዝ
፡ 2 ድማ ኻልኣይ ዶዝ ክትባት ተኸቲቦም ።
ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 78 ናይ ክታበት ክሮና ዶዝ ክንቅበል ትጽቢት ይግበር ። እቶም ኣብዚ
ሰሙን ክታበታት ዝቕበሉ ብቐጻሊ ክንሕብር ኢና ። ክታበት ዝደሊ ሰብ ዕድሚኡ ካብ 78 ዓመት
ንላዕሊ ዝኾነ ሰብ ኩሉ ተኸቲቡ ኣሎ ፡ ኩሎም ልዕሊ 75 ዓመት ዝዕድሚኦም ክታበት ኣብ ምሃብ
ንርከብ ።
ኩነታት መርመራ
ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል ቍጽሪ እቶም መርመራ እተገብረሎም ሰባት 3076 እዩ ።
ክሳዕ ሎሚ ፡ ኣብ ኬቪንስዳል ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዉሸባ ወይ ኣብ ምግላል የለን።
እቲ ናይ ፈተና መደበርና ኣብ ፋሲካ ምሸት ፡ ካልኣይ መዓልቲ ፋስካ ድማ ካብ 08.00-12.00
ድሕሪ ቀትሪ ክፉት እዩ ። ቅድሚ 09፥30 ዝተወስዱ ቅምሶታት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ
ይለኣኹን ይምርመሩን ።
ኣብ ክቪነስዳል ኣብዚ ቆጸራ መርመራ ይሓዙ፡
https://helserespons.no/web/kvinesdal/viktig-melding/
ወይ ኣብ ቴል ። 468 64 994 ።
ነበርቲ ክቪንስዳል ኣድላዪ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ፍለክፍዩር Flekkefjord ኣብ ሓሙስ ጽግቦን
ዓርቢ ስቕለትን መርመራ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ። ኣብ ፍለክፎርድ ኣብዚ ቆጸራ መርመራ ይሓዙ፡
https://timebestilling.remin.no/flekkefjord
እቶም መርመራ ክግበረሎም ዝደልዩ ሰባት ፡ ነቲ መርመራታት ብቕልጡፍ ምላሽ ምእንቲ
ክንረኽበሉ ፡ ምስ ማእከል ሕክምና ብእተኻእለ መጠን ብኣጋኡ ኺራኸቡ ንምሕጸን ።
ሓበሬታ ንበጻሕቲ ኣብ ማእከላት ክንክን
ድሕሪ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ 23.3 ንበጻሕቲ ናብ ማእከላት ክንክን ዝኸውን ንእሽተይ ለውጢ
ጌርና ኣለና ፡ እዚ ድማ ካብ 25.መጋቢት ጀሚሩ ይትግበር:
● ካብ 5 በጻሕቲ ዝነበረ ናብ 2 በጻሕቲ ይፍቀድ። እዚ ማለት 2 ሰባት ኣብ ሓደ
እዋን ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም ። መንግስቲ ፡ ምስ ግዜ በጻሕቲ ሓደ ክዀኑ እዩ
ዝምሕጸኖም ።
● እቶም ከም ጥብቂ ርክብ ጌርካ ዘይተገልጹ ፡ 1 ሜትሮ ዘይኮነ 2 ሜትሮ
ርሕቀት ክሕልዉ ኣለዎም ። ጥቡቕ ርክብ ዝብሃል ነገር ፡ ምሉእ ብምሉእ
ክታበት እተዋህቦ ተቐማጢ ፡ ርሕቀቱ ከይሓለወ ክሳብ 3 ሰባት መሪጹ ርክብ
ክህልዎ ይኽእል ።
● ንነበርቲ ናብቲ ብዙሓት ዝእከቡሉ ቦታታት ክትወስዶም የብልካን ፡ ልዕሊ 2
ሰባት ድማ ከይትበጽሕ ነተባብዓካ ። ብዘይካዚ ፡ ሰፊሕ መልከፍቲ ናብ ዘለዎ
ከባቢ ነበርቲ ሒዝካ ክትከይድ ኣይነተባብዕን ኢና ።
● ካብቲ ልዑል ጸቕጢ መልከፍቲ ዘለዎ ከባቢ ዝመጹ በጻሕቲ ፡ ኣብ ከባቢኦም
ካብቲ ዝመጽሉ ቦታ ዝምልከት መምርሒታትን ለበዋታትን ብግቡእ ክትስዕቡ
ንጽበ ኢና ። ንኻልኦት ክትበጽሖም ከም እትኽእል እንተ ተነጊሩካ መርሓባ
ደሓን ምጻእ ፡ እንተኾነ ግን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ተጠቐም ።
ከቢድ ሕማም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ፡ ንዓኻን ስድራቤትካን ዘድሊ ምድላዋት
ክንገብር ኢና ፡ እዚ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምርድዳእ የድሊ ።
መስመር ሓበሬታ
እቲ ቀንዲ መስመር ሓበሬታ ናይ ምምሕዳርና መርበብ ሓበሬታ እዩ ። ኣብ www.helsenorge.no
ከምኡውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕናን www.fhi.no ብዛዕባ
ኮሮና ቫይረስ ብዙሕ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።