መጸዋዕታ ንክታበት

ነቶም ኣብ ጉጅለታት ሓደጋ ዘለዉ ክታበት ምሃብ ክንውድእ ቀሪብና ኣሎና፡ ድሕሪ ክልተ
ሰሙናት ኣቢሉ ከኣ ነቶም ካብ 55 ክሳዕ 64 ዓመት ዝዕድሚኦም መጸዋዕታ ንክታበት ክንህብ
ኢና። ትካል ህዝባዊ ጥዕና ዝሃቦ ዝርዝር ቐዳምነት ኢና ንኽተል .
ክታበት ንምርካብ ምምዝጋብ ኣድላዪ ኣይኰነን። እዚ ምምሕዳር ኮምዩን ካብ ሃገራዊ መዝገብ
ብዝሒ ህዝቢ ዝርዝር ድሕሪ ምውሳድ ብ SMS (ኤስ. ኤም. ኤስ.) መጸዋዕታ ከቕርበልካ እዩ።
ክታበት ንምዉሳድ ተራኻ ምስ በጽሐ ቅድሚ ክታበት ትወስደሉ ሓደ ሰሙን ዝኸውን ጻውዒት ብ
SMS (ኤስ. ኤም. ኤስ.) ክትቅበል ኢኻ።
ክታበት ክትወስድ እንተ ዘይደሊኻ ወይ ቈጸራኻ ክትቅይር እንተ ደሊኻ ብኽብረትካ ብቴል +47
46 86 49 94 ምሳና ክትራኸብ ንሓትት። ብዙሕ ሰዓታት ምእንቲ ኸይንቕይር ነታ
እተዋህበትካ ቆጸራ ሰዓት ክትጥቀመላ ነተባብዓካ ።
ኣብ ብምሉኡ ኽረምቲ ኣብ ሰሰሙን ክታበት ኮሮና ንምቕባል ንዳሎ ኣለና ። ሕጂ እውን ከምዚ
ንርእዮ ዘለና ኣብ ሰነን ሓምለን ነሓሰን ካብ ፋይዘር ብዙሕ ዓቐን ክታበት ክመጸና እዩ። ስለዚ ኩሉ
ተቕማጣይ ኣብ ብምሉኡ ኽረምትን ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍትን ክታበት ንምውሳድ መጸዋዕታ
ክቕበል ክዳለዉ ኣለዎ። ከንቲ 1 ዓቐን ክታበት ኣብ ሓደ ምምሕዳር ዝወሰድካ 2ይ ዓቐን
ክታበትዉን ኣብኡ ክትቅበል ኢኻ።

ኵነታት ክታበት

ክሳዕ ሕጂ 1754 ሰባት ኣብ ምምሕዳር ኮምዩን ክቪነስዳል ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።
ካብዚኣቶም 803 ክልተ ዓቐን ክታበት ተቐቢሎም ኣለዉ፡ በዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም
ኣለዉ።
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ 253 ሰባት ክኽተቡ እዮም። ኣብ እትቕጽል ሰሙን ከኣ 348 ዓቐን ክታበት
ክንረክብ ትጽቢት ንገብር ።
እቶም ክታበት ዝወስዱ ብቐጻሊ ክንሕብር ኢና ።
ኩሎም ክሳዕ 1955 እተወልዱ ንነፍሲ ወከፍ ክታበት ኮሮና ክወስድ ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ።
ንሕና ድማ ነቶም ኣብ ጉጅለ ሓደጋ ዘለዉ ክታበት ኣብ ምሃብ ንርከብ ኣሎና ።

ዅነታት ምርመራ

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል ቍጽሪ እቶም እተመርመሩ ሰባት 3732 እዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ
3 ሰባት ንበይኖም ተገሊሎም ኣለዉ፡ ዋላ ሓደ ኸኣ ዝተወሽበ የብልናን ። እቶም ገዛእ ርእሶም
ክምርመሩ ዝደልዩ ነቲ መርመራ ብቕልጡፍ ምላሽ ምእንቲ ኽንህበሉ ብእተኻእሎም መጠን
ቀልጢፎም ኣብ ሕክምና ቆጸራ ክሕዙ ምኽሪ ንህቦም ።

መትረብ ሓበሬታ

ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ምምሕዳርና መርበብ ሓበሬታና እዩ። ኣብ www.helsenorge.no
ኰነ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ህዝባዊ ጥዕና www.fhi.no ብዛዕባ ኮሮናቫይስ ብዙሕ ሓበሬታ
ክርከብ ይክኣል ።