ማሕበራዊ ምርኻባት

• ኩሉ ሰብ ማሕበራዊ ርክባቱ ገደብ ክገብረሉ ይግባእ።
• ምስ ካልኦት ሰባት ካብ ቤትኩም ወጻኢ ክትረኽብዎም ነተባብዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዘልኩም
ኣባላት ስድራ ተወሰኽቲ ካብ 5 ንላዕሊ ኣጋይሽ ኣይትቀበሉ።
• ኩሎም ኣጋይሽ ካብ ሓደ ስድራ/ ቤት ዝመጹ ተኾይኖም ብዙሓት ክትኮኑ ትኽእሉ፡ ግን
ሕጂዉን ርሕቀትኩም ካብ ትሕልዉዎ ትኽእሉ ንላዕሊ ብዙሓት ክትኮኑ የብልኩምን።
• ኣብ መዋእለ ህጻናትን መባእታን ዝምሃሩ ህጻናት ምስ ናቶም ውሱናት መዛንኦም ክበጻጽሑ
ይኽእሉ።

ዉልቀ ኣኼባታትን መሰናድኦታትን

ካብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት/ኮሙይነታት ዝመጹ ሰባት ዘሳትፍ ኣኼባታት ንኻልእ ግዜ
ክመሓላለፍ ወይ ክስረዙ ኣለዎም።
ንኣኼባታት ይኹን መሰናድኦታት እዚ ዝስዕብ ዝተወሰነ ቁጽሪ ተፈጻሚ ይኸዉን ( ኣብ ኩሉ
ዓይነት መሰናድኦታት ናይ 1 ሜትሮ ርሕቀት ክሕሎ ኣለዎ)
• ኣብ ዉልቀ መሰናድኦታት ኣብ ዉሽጢ ገዛ ይኹን ኣብ ግዳም ንኣብነት መዓልቲ ልደት ኣብ
ክራይ ኣዳራሽ ንምብዓል ክሳብ 10 ሰባት ይፍቀድ
• ካብ ሓደ ምምሕዳር/ኮምዩን ዝመጹ ህጻናት ዝሳተፍዎ ኣብ ዉሽጢ ገዛ ዝግበር ስፖርታዊ
መሰናድኦታት ክሳብ 50 ሰባት ይፍቀድ።
• ኣብ ካልኦት መሰናድኦታት ኩሎም ሰማዕቲ/ተኸታተልቲ ኣብ ቀዋሚ ኣብ ዝተመልከተ
መንበር ንዝቕመጡ ክሳብ 50 ሰባት ይፍቀድ።
• ኣብ ደገ ዝግበር መሰናድኦታት/ኣኼባታት ክሳብ 200 ሰባት ይፍቀድ፡ 3 ጉጅለታት ነናይ
200 ሰባትዉን ኣብ ቀዋሚ ኣብ ዝተመልከተ መንበር ዝቕመጣን ናይ 2 ሜትሮ ርሕቀት
ኣብ ሞንግአን ዝሕልዋን ፍቑድ ይኸዉን።
• ኣዳለዊ መደብ ንዕዱማት ተሳተፍቲ ኣብቲ ዝተመደበሎም ዝተመልክተ ቀዋሚ መንበር
ከምዝተቐመጡ፡ ካብ ሓደ ስድራቤት ተዘይኮይኖም ዉን ግቡእ ርሕቀት ኣብ መንግኦም
ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ኣድለይቲ ስጉምትታት ተግባራዊ ይገብር። ኣድላዩ ተኾይኑዉን ነዚ
ንምርግጋጽ ኣኽባሪ ጸጥታ ክጥቀም ይኽእል።
• ርክብ ኣባላት፡ ከምኡዉን ርክብ ናይ ማሕበራትን ካልኦት ተመሳሰልትን ከም ኣኼባ
ዝውሰዱ ምዃኖም ኣብቲ መምርሒ ሕጊ ንጹራት ይኾኑ።

መገሻታት

• ናብ ካልኦት ሃገራት ክትገሹ ኣይንመክርን
• ኣገደስቲ ዘይኮኑ መገሻታት ዉሽጢ ሃገር ኣወግዱ
• መገሻ ናብ መጽናዕቲ ቦታ ከም ኣገዳሲ ጉዕዞ ተጌሩ ክውሰድ ይኽእል።
• ኣብ ዉሽጢ ሃገር ናብ ጎጆ ( ናትኩም ወይ ክራይ) ወይ ናብ ሆቴል ክትገሹ ትኽእሉ፡
ብዝተኻእለ መጠን ግን ህዝባዊ መጎዓዝያ ምጥቃም ኣወግዱ።
• ናብ ትሑት ስጉምታት ዘለወን ምምሕዳራት/ኮሙኔታት ዝገሹ ሰባት ብሓፈሻ ኣብተን
ምምሕዳራት ዘሎ ግብራዊ ምኽርታት ብግቡእ ክኽተሉ ኣለዎም።

ህሉው ኩነታት ክታበት፥

ክሳብ ሕጂ 679 ሰባት ኣብ ምምሕዳር/ኮምዩን ኪቭነስዳል ክታበት ረኺቦም ኣለዉ።
ካብዚኦም እቶም 301 ሰባት ክልተ ሳብ ክታበት ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ሕጂ ምሉእ ብሙሉእ ክታበት
ወሲዶም ኣለዉ።
ኣብዚ ሰሙን ዕድሚኦም ልዕሊ 80 ዝኾኑ 12 ሰባት ቀዳማይ ክታበት ዝወሰዱ ክኾኑ ከለዉ፡ 48
ሰባት ድማ ካልኣይ ክታበት ረኪቦም ኣለዉ። ንሕማም ዝተቓልዑ ኣብ ክሊ ዕድመ ትሕቲ 65
ዓመት ዝርከቡ ሰባትን ሰራሕተኛታት ሰብ ሞያ ጥዕናን 132 ክታበት ተዋሂቡ ኣሎ። ኩሎም
እዚኦም ቀዳማይ ክታበት ዝወሰዱ እዮም
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን 72 ሓባ ክታበት ዶስ ክንቅበል ትጽቢት ንገብር። እዚ ነቶም ቀዳማይ ክታብት
ዝወስዱ ክዉሃብ እዩ።
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክታበት ዝቕበሉ ሰባት ብቕጻሊ ክንሕብር ኢና።
ኩሎም ዕድሚኦም ካብ 85 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡ ክኾኑ ከለዉ፡
ዕድሚኦም ካብ 80 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ድማ ኣብ መስርሕ ክታበት ንርከብ።

ህሉው ኩነታት ምርመራ፡

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል መርመራ ዝገበሩ ብዝሖም 2773 እዩ።
መርመራ ንዝገብሩ ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ፡ ኩሎም መርመራ ክገብሩ ዝደልዩ ብዝተኻእለ
መጠን ብቕልጡፍ ኣብ ግዜ ቐትሪ ምስ ማእከል ሕክምና ክራኸቡ ንምዕድ።
ምልክት ሕማም ኣለና ወይ ናብዚ ሕማም ተቓሊዕና ኣለና ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ንምምርማር
ትሑት ወሰን ክህሉ ይግባእ። መዓልታዊ ንምምርማር መርመራ ንምግባር እኹል ዓቕሚ ኣለና።

መትረብ ሓበሬታ

ናይዚ ምምሕዳር/ኮምዩን ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ናትና መርበብ ሓበሬታ/ዌብሳይት እዩ።
ከምኡውን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ብዙሕ ሓበሬታ ኣብዚ መርበብ www.helsenorge.no
ከምኡዉን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ትካል ጥዕና ህዝቢ www.fhi.no ክትረኽቡ ትኽእሉ።