ኵነታት ክታበት

ክሳዕ ሕጂ 2209ሰባት ኣብ ምምሕዳር ኮምዩን ክቪነስዳል ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።
ካብዚኣቶም 1682 ክልተ ዓቐን ክታበት ተቐቢሎም ኣለዉ፡ በዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም
ኣለዉ።
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ 228 ሰባት ክኽተቡ እዮም። ኣብ እትቕጽል ሰሙን ከኣ 276 ዓቐን ክታበት
ክንረክብ ትጽቢት ንገብር ።
እቶም ክታበት ዝወስዱ ብቐጻሊ ክንሕብር ኢና ።
ኩሎም ክሳዕ 1964 እተወልዱ ንነፍሲ ወከፍ ክታበት ኮሮና ክወስድ ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ።
ንሕና ድማ ነቶም ኣብ ጉጅለ ሓደጋ ዘለዉ ክታበት ኣብ ምሃብ ንርከብ ኣሎና ።

ዅነታት ምርመራ

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል ቍጽሪ እቶም እተመርመሩ ሰባት 3970 እዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ
3 ሰባት ንበይኖም ተገሊሎም ኣለዉ፡ ዋላ ሓደ ኸኣ ዝተወሽበ የብልናን ። እቶም ገዛእ ርእሶም
ክምርመሩ ዝደልዩ ነቲ መርመራ ብቕልጡፍ ምላሽ ምእንቲ ኽንህበሉ ብእተኻእሎም መጠን
ቀልጢፎም ኣብ ሕክምና ቆጸራ ክሕዙ ምኽሪ ንህቦም ።

መትረብ ሓበሬታ

ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ምምሕዳርና መርበብ ሓበሬታና እዩ። ኣብ www.helsenorge.no
ኰነ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ህዝባዊ ጥዕና www.fhi.no ብዛዕባ ኮሮናቫይስ ብዙሕ ሓበሬታ
ክርከብ ይክኣል ።