ኵነታት ክታበት

ክሳዕ ሕጂ 4308 ሰባት ኣብ ምምሕዳር ኮምዩን ክቪነስዳል ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።
ካብዚኣቶም 3750 ክልተ ዓቐን ክታበት ተቐቢሎም ኣለዉ፡ በዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም
ኣለዉ።
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ 123 ሰባት ክኽተቡ እዮም። ኣብ እትቕጽል ሰሙን ከኣ 89 ዓቐን ክታበት
ክንረክብ ትጽቢት ንገብር ።
እቶም ክታበት ዝወስዱ ብቐጻሊ ክንሕብር ኢና ።
ሓደ ሰብ ክትክስን እንተ ደልዩ እሞ እቲ ቐዳማይ ዓቐን እንተ ዘይተቐቢሉ ብቴል ኪረኽቡና ንሕተቶም ። + 47 46 86 49 94

ዅነታት ምርመራ

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል ቍጽሪ እቶም እተመርመሩ ሰባት 6245 እዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ

ክምርመሩ ዝደልዩ ነቲ መርመራ ብቕልጡፍ ምላሽ ምእንቲ ኽንህበሉ ብእተኻእሎም መጠን
ቀልጢፎም ኣብ ሕክምና ቆጸራ ክሕዙ ምኽሪ ንህቦም ።

 

መትረብ ሓበሬታ

ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ምምሕዳርና መርበብ ሓበሬታና እዩ። ኣብ www.helsenorge.no
ኰነ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ህዝባዊ ጥዕና www.fhi.no ብዛዕባ ኮሮናቫይስ ብዙሕ ሓበሬታ
ክርከብ ይክኣል ።