ስጕምትታት ብደረጃ ከባቢ ካብ 16.04.21 ፦
• መሐንበሲ ክቪናባዴት ንህዝቢ ክፉት ይኸውን፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክቪነስዳል መንበሪ
ኣድራሻ ንዘለዎም ሰባት ጥራይ ይፍቀድ።
• እቲ ሲነማ ኣብቲ ቐንዲ ኣዳራሽ ክሳብ 100 ዝዀኑ ተዓዘብቲ ኣብ ኣዳራሽ ሲነማ ድማ ክሳብ
50 ተዓዘብቲ ኣብ እተመደበ ኾፍ መበሊ ንሓደ ምርኢት ይፍቀድ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ
ክቪነዝዳል መንበሪ ኣድራሻ ንዘለዎም ሰባት ጥራይ ይፍቀድ።
• እቲ ናይ ባህሊ ማእከል ንመሰናድኦታት ክፉት ኢዩ ከከም እቲ ኣዳራሽ ዝጥቀመሉ ቦታ ድማ
ቀይድታት ኣለዎ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክቪነዝዳል መንበሪ ኣድራሻ ንዘለዎም ሰባት ጥራይ
ይፍቀድ።
• ቤተ-መጻሕፍቲ ኣብ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ነቲ ኣብ ፈዳ (Feda) ከምኡውን ክቪንሎግ( Kvinlog)
ዝርከብ ጨናፍር ቤተ-መጻሕፍቲዉን ንህዝቢ ክፉት ይኸውን።
• ኢነር10ኣር( INNER10er) ማእከል መንእሰያት ነቶም ኣብ ክቪነስዳል ዝነብሩ መንእሰያት
ተኸፍትሎም ኣሎ ፡ ብድጅታላዊ መንገዲ ይምዝገቡ፡ ቦታዉን ዝተወሰነ ኢዩ።
• ክናበን ለይርስኮል (Knaben Leirskole) ስሩዕ ትምህርታዊ መደባቱ የካይድ።
• እቲ ናይ መኪና መንበሪ ደምበ ኽፉት እዩ። ካብ መንበሪ መኪና ናብ መንበሪ መኪና ኽትከይድ
ኣይንመኽርን ፣ ከመይሲ እዚ ሕማም እዚ ኼስፋሕፍሕ ይኽእል እዩ ። እቲ ኣብ ክቪናባደት
መሐንበሲ ዚርከብ ሽቓቕ ከም ብሓድሽ ክፉት እዩ።
እዚ ዝስዕብ ንጥፈታት ምስ ሃገራዊ ሕግታት ብምስናይ ንተቐማጦ ክቪነስዳልን ክኽፈት ኢዩ -
• እቲ ኣብ ክቪናባደት ዚርከብ ኣዳራሽ ምሕኳር( Klatrehallen)
• ኣዳራሽ ክቪንዝዳል( Kvinesdalhallen)
• ማእከል ወለንተኛታት / ንጥፈታት ዝካየደሉ ማእከል( Frivillighetssental/Aktivitetsenter)
• አየ ግሬንደሁስ(Øye Grendehus)
ምኽርታት ብደረጃ ሃገር
1 ሜተር ርሕቀት ሓሉ። ኣእዳውካ ኣጽሪ ። እንተ ሓሚምካ ኣብ ቤትካ ተወሸብ ።
ማሕበራዊ ርክባት
• ኵሉ ሰብ ንማሕበራዊ ርክባት ደረት ኪገብረሉ ኣለዎ።
• ምስ ካልኦት ኣብ ግዳም ክትራኸብ ነተባብዕ፥ ካብ ሓሙሽተ ንላዕሊ ኣጋይሽ ኣይሃልውካ።
ኵሎም እቶም ኣጋይሽ ካብ ሓንቲ ቤት እንተ መጺኦም ሓያሎ ሰባት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ፣ ንስኻ
ግና ርሕቀትካ ሓሉ (ሓድሽ) ።
• ኣብ ኣጸደ-ሕጻናት ኰነ ኣብ መባእታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝርከቡ ቘልዑ ካብ መሓዝቶም
ምብጻሕ ክህልዎም ይኽእል። ቈልዑ ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣጸደ-ሕጻናትን
መባእታ ቤት ትምህርትን ዚገብርዎ ምብጻሕ፡ ህጻናት ካብ ሓደ ወይ ክልተ ስሩዓት ፈተውቶም
ኪበጽሑ ወይ ክብጽሑ ይኽእሉ እዮም።
መገሻ
• ናብ ወጻኢ ሃገር ክትገይሽ ኣይንመክርን። ኣዝዩ ኣድላዪ ጕዕዞታት ኪግበር ይከኣል እዩ ።
• ዘየድሊ ናይ ዉሽጢ ሃገር ጕዕዞ ኣወግድ። እዚ ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ጸቕጢ ረኽሲ ዘለዎ ኸባቢ
ዝግበር ካብን ናብን ጉዕዞ ኣገዳሲ እዩ ።
• ኣብ ዉሽጢ ሃገር ናብ ጎጆ (ዚውነን ወይ እተኻረየ) ወይ ናብ ሆቴል ክትከይድ ትኽእል ኢኻ
እንተ ተኻኢሉ ግን ህዝባዊ መጓዓዝያ ምጥቃም ኣወግድ።
• ናብ ስራሕን መጽናዕትን ዚግበር ጕዕዞ ከም ኣድላዪ ጕዕዞ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ።
• እቶም ናብ ብዙሕ ጽኑዕ ስጕምቲ ዘይወስዱ ምምሕዳራት ዝገሹ ሰባት ነቲ ኣብ ናቶም ምምሕዳር
ዘሎ ምኽርታት ክስዕብዎ ኣለዎም።
ኣብያተ ትምህርትን ኣጸደ ሕጻናትን
ኣጸደ ሕጻናት ኰኑ ኣብያተ-ትምህርቲ ምስ ሞደል መብራህቲ ትራፊክ ብምስምማዕ ኣብ ብጫ
ደረጃ ይርከቡ።
ናብራ ስራሕ
• ንዅሎም እቶም ዕድል ዘለዎም ሰባት ቦታ ስርሖም ኣብ ቤቶም ይኸዉን።
ንግዳዊ ትካላት
• ለብዒ ንምቍጽጻር ዝግበር ስጕምትታት ብምትግባር ክፉታት ይኾኑ ።፡ ናይ ጨናፍር
መዐቀኒታትን ስርዓትን መሰረት ብምግባር።
ስፖርትን መዘናግዕን
• ቈልዑን ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያትን ከም ንቡር ኣብ ናይ መዘናግዒ ንጥፈታት
ክስልጥኑን ክሳተፉን ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ንጥፈት ንምፍጻም ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ካብ
ናይ ሜተር ርሕቐት ምኽሪ ናጻ ኢዮም ።
• ቈልዑን መንእሰያትን ምስ ካብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ዝመጹ ጋንታ/ ማሕበር ወይ ተመሳሳሊ
እንድሕር ሰልጢኖም / ተለማሚዶም ፡ እቲ ዘሎ ለብዒ ኽሳዕ ዝፈቕደሎም ምስዛ ጋንታ/ማሕበር
ክወዳደሩ ይኽእሉ ኢዮም ።
• ከም ምንሽርታት በረድ ዝኣመሰለ ጥቡቕ ርክብ ኣብ ዘይብሉ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝካፈሉ ትሕቲ
20 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን መንእሰያትን ኣብግዳም ኣብ ዝግበር ስፖርታዊ ውድድራት
ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም። ካብ ሓደ ዓይነት ስፖርት ወይ ዞባ ንዚመጹ ተሳተፍቲ ድማ ይእክቦም ።
እቲ ዞባ ኸም ጂኦግራፍያዊ መከፋፈሊ ክጥቀመሉ ይክእሉ።
• ዓበይቲ እንተ ወሓደ ሓደ ሜተር (ሓድሽ) ርሕቀት ክሳዕ ዝሓለዉ ኣብ ውሽጢ ገዛ ክሳብ 10
ሰባት ኰይኖም እተወደበ ንጥፈታት ከካፍሉ ይኽእሉ ኢዮም።
• ዓበይቲ እንተ ወሓደ ሓደ ሜተር ርሕቀት ክሳዕ ዝሓለዉ ኣብ ግዳም ኣብ እተወደበ ንጥፈታት
ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም።
• ብሉጻት ስፖርተኛታት ኣብ ግዳም ኰነ ኣብ ዉሽጢ ገዛ ከም ንቡር ክለማመዱ ይኽእሉ
ኢዮም።
ዝለዓለ ትምህርቲ
• ዝያዳ ለብዒ ንምቍጽጻር ዝውሰድ ስጕምትታት ብምትግባር ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክትኣቱ
ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ። ንባብ ዚግበረሉ ኽፍልታትን ቤተ-መጻሕፍትን ክፉታት ይኾኑ። ዓበይቲ
ኣስተምህሮታትን ምትእኽኻባትን ክውገድ ኣለዎ። ብሒደት ጕጅለታት ምምሃር ይከኣል ኢዩ ።
(ሓድሽ)
ብደረጃ ሃገር እተዋህበ ሕግታት
ናይ ብሕቲ ኣኼባታትን መሰናድኦታትን -
ካብ እተፈላለየ ምምሕዳራት ኮምዩን ንዝመጹ ሰባት ዘሳትፍ ምሰናድኦታት ናብ ካልእ ግዜ ክናዋሕ
ወይ ክስረዝ ንምሕጸን።
እቲ ንመሰናድኦታትን ዚምልከት ሕግታት እዚ ዚስዕብ እዩ ፦
• ኣብ ዉልቀ መሰናድኦታት ኣብ ዉሽጢ ገዛ፡ ንኣብነት መዓልቲ ልደት ኣብ ክራይ ኣዳራሽ
ንምብዓል፡ ክሳብ 10 ሰባት ይፍቀድ። ኣብ ግዳም ክሳብ 20 ሰባት ይፍቀድ። ኣብ ኣጸደ ሕጻናት
ወይ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሓደ ጕጅለ ዘለዉ ቘልዑ ምስ ኣድለይቲ ዓበይቲ ሰባት
ኣተሓባበርቲ ኪራኸቡ ይኽእሉ እዮም ።
• እተመደበ ኾፍ መበሊ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ዉሽጢ ገዛ ኣብ ዚግበር ንጥፈታት ዚሳተፉ ክሳብ 10
ሰባት፡ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም ተሳተፍቲ ካብ ሓደ ምምሕዳር ኮምዩን ዝኾኑ ኣብ
ስፖርትን ባህልን ዚሳተፉ ግን ኽሳብ 50 ዚዀኑ ሰባት ይፍቀድ።(ንባህላዊ ንጥፈታት ክሳብ 50
ስባት ይፍቀድ - ሓድሽ! )
• ኣብ ካልኦት መሰናድኦታት ኩሎም ሰማዕቲ/ተኸታተልቲ ኣብ ቀዋሚ ኣብ ዝተመልከተ መንበር
ንዝቕመጡ ክሳብ 100 ሰባት ይፍቀድ።
• ኣብ ግዳም ዝግበር ንጥፈታት ክሳብ 200 ሰባት ይፍቀድ፡ 600 ሰባት ( ኣብ 3 ጉጅለታት
ነናይ 200 ሰባት ዝተኸፍሉ) ኣብ ቀዋሚ ኣብ ዝተመልከተ መንበር ኮፍ ዝብሉን፡ ናይ 2 ሜትሮ
ርሕቀት ኣብ ሞንግኦም ዝሕልዉን ፍቑድ ይኸዉን። (ሓድሽ!)
• ኣዳለዊ መደብ ንዕዱማት ተሳተፍቲ ኣብቲ ዝተመደበሎም ዝተመልክተ ቀዋሚ መንበር
ከምዝተቐመጡ፡ ካብ ሓደ ስድራቤት ተዘይኮይኖም ዉን ግቡእ ርሕቀት ኣብ መንግኦም ከም ዘሎ
ዘረጋግጽ ኣድለይቲ ስጉምትታት ተግባራዊ ይገብር። ኣድላዩ ተኾይኑዉን ነዚ ንምርግጋጽ ኣኽባሪ
ጸጥታ ክጥቀም ይኽእል።
• ልክዕ ከም ኣብ ቤት-መግቢ ኣብ መሰናድኦታትዉን ኣልኮላዊ መስተ ከተቕርብ ተመሳሳሊ ዕድል
ይህሉ።
መዘናግዒ ማእከላት ቤት-መግብን መሰናድኦታትን ኣልኮላዊ መስተ ንምቕራብ ፍቓድ ኣለዎም፡
(ሓድሽ)
• መግቢ ኣብ ትቕርብሉ ግዜ ጥራይ ኣልኮላዊ መስተ ምሻጥ ይፍቀድ። ሰዓት 22.00 መስተ
ምሻጥ ደው ይብል (ሓድሽ)
• ሓበሬታ ኣድራሻ ናይቶም ፍቕደኛታት ዝኾኑ ኣጋይሽ ኪምዝገብ ኣለዎ።