ኵነታት ክታበት

ክሳዕ ሕጂ 4153 ሰባት ኣብ ምምሕዳር ኮምዩን ክቪነስዳል ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።
ካብዚኣቶም 2760 ክልተ ዓቐን ክታበት ተቐቢሎም ኣለዉ፡ በዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቦም
ኣለዉ።
ኣብዛ ሰሙን እዚኣ 287 ሰባት ክኽተቡ እዮም። ኣብ እትቕጽል ሰሙን ከኣ 428 ዓቐን ክታበት
ክንረክብ ትጽቢት ንገብር ።
እቶም ክታበት ዝወስዱ ብቐጻሊ ክንሕብር ኢና ።
 

ዅነታት ምርመራ

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል ቍጽሪ እቶም እተመርመሩ ሰባት 5313 እዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ

ክምርመሩ ዝደልዩ ነቲ መርመራ ብቕልጡፍ ምላሽ ምእንቲ ኽንህበሉ ብእተኻእሎም መጠን
ቀልጢፎም ኣብ ሕክምና ቆጸራ ክሕዙ ምኽሪ ንህቦም ።

መትረብ ሓበሬታ

ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ምምሕዳርና መርበብ ሓበሬታና እዩ። ኣብ www.helsenorge.no
ኰነ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ህዝባዊ ጥዕና www.fhi.no ብዛዕባ ኮሮናቫይስ ብዙሕ ሓበሬታ
ክርከብ ይክኣል ።