ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ለበዳ ኮሮና ናብ ሃገርና ኖርዋይ ብልክዕ ዝኣተወሉ እዩ።
እዛ ዓመት ፍልይቲ እያ ነይራ፡ ሓደ ዓመት ምስ ርሕቀት ምሕላው፡ ዕጽዋ፡ ሓደሽቲ ቃላት
ከምኡዉን ክንክተሎም ዘለና ብዙሕ ሕግታትን ምኽርታትን። ከም ጉጅለ፡ ምግላልን ዉሸባን
ዝብሉ ቃለት ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዓና ልሙዳት ቃላት ኮይኖም ኣለዉ፡ ሕግታትን ምኽርታትን ግን
ምስቲ ኩነታት መልከፍቲ ቀጻሊ ለዉጥታት እናተገብረሉ ጸኒሑ ኣሎ። ዓመት ምሉእ ከይተቐየረ
ዝኸደ ግን ነዚ መልከፍቲ ናብ ዝትሓተ ደረጃ ንምውራድ ኩላትና ሓቢርና ብሓደ ደው ዝበልናዮ
እዩ። ኣብ ክንዲ ምምሕዳር ቅልውላው ክሪሰለደልሰን ኮይነ ንኹሎም ክሳብ ሕጂ ከም ነበርቲ፡
ነጋዶ ፡ ወለንተኛታት፡ ሰራሕተኛታትን ወከልትን እዚ ምምሕዳር ኮምዩን ኮይኖም ንዘበርክቱ
ዘበርክቱ ዘለዉን ዓብዩን ምዉቕን ምስጋናይ የቕርብ። ሕጂዉን ነንሕድሕድና ክንደጋገፍን
ክንተባባዕን ከድልየና እዩ። ነዚ ሓቢርና ክንክእሎ ኢና! ርሕቀት ምሕላው ከምኡውን ነቲ
ዝዉሃበኩም ምኽሪ ምትግባር፡ ነዚ ንምግባር ቁሩባት ስለዝኾንኩም የመስግን።
ኣብ ክቪነስዳል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጠቕላላ 30 መልከፍቲ ነይሩና። እዞም ሕማቕ ዕድል ኮይኑ
በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ኮነ ምስኦም ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ነዚ ሕጊ ምግላልን ዉሸባን ዝምልከት
ብጽቡቕ ኣገባብ ኣኽቢሮሞ እዮም፡ ምስ ኣሃዱ ክትትል መልከፍቲ ጽቡቕ ተሓባቢሮም፡ ከምኡውን
እዚ ሕማም ከይላባዕ ኣበርክቶ ጌሮም። ናይዚ ምምሕዳር ኮምዩን ኣሃዱ ክትትል መልከፍቲ፡ ነዚ
ሕማም መልከፍቲ ንምግታእ ምስ ልኹፋት ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ሰባት ኣብ ምልላይ ልዑል ጻዕሪ
ጌሩ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ክታበት

ናትና ኣሃዱ ክታበት ብዶክተር ምቁጻጻር መልከፍቲ፡ ነርሳት ከምኡዉን ሰራሕተኛታት ቀረብ
ዝቖመ እዩ። እዚ ኣሃዱ ሰሙናዊ ናተራኸበ እቲ ዝቕበሎ ብዝሒ ክታበት ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ
ክዉዕል ከምዘለዎ ይዝትይ። እዚ ክታበት ብመሰረት ቀዳምነታት ካብ ትካል ጥዕና ህዝቢ ኣብ
ጥቕሚ ይዉዕል። ኣብዚ ርኤ፥
https://www.fhi.no/sv/vaksine/koronavaksinasjonsprogrammet/h
vem-kan-fa-koronavaksine/
ኣብ ክቪነስዳል ነዘን ጉጅለታት ፡ 1ይ ቀዳምነት ንኣብ መእለዩ ኣረጋውያን ዝርከቡ ክምኡዉን 2ይ
ቀዳምነት ንዕድሚኦም ልዕሊ 85 ዓመት ዝኾኑ ክታበት ሂብና ኣለና። ሕጂ ድማ 3ይ ቀዳምነት
ንኣብ ክሊ ዕድመ 75-84 ዝርከቡ ክታበት ንህብ ኣለና።
ኣብ መበል 8ይ፡ 9ይን 10ይን ሰሙን ዉሑድ ክታበት ፋይዘር ብዙሕ ክታበት ኣስትራዜነካ
ተቐቢልና። ኣስትራዜነካ ንሰብ ሞያ ጥዕናን ንትሕቲ 65 ዝዕድሜኦም ንሕማም ዝተቓልዑ
ተዋሂቡ። እዞም ንሕማም ዝተቓልዑ ሰባት ብናይ ዉልቂ ዶክቶሮም ኣቢሎም ዝተመርጹ እዮም።

ትማል ክታበት ኣስትራዜነካ ንግዚኡ ደው ከምዝበለ ተፈሊጡ ኣሎ። ዝመጽእ ሰሙን ናይ
ኣስትራዜነካ ክታበት ክቪነስዳል ክትቅበል መደብ ኣይነበረን፡ ክንዲዝኾነ ኣብዚ ናትና መደብ
ክታበት ከኸትሎ ዝኽእል ዝኾነ ሳዕቤን የለን። እዚ ደው ምባል ኣብ መጻኢ ኣብ መደብ ክታበት
ምድንጓያት ከኸትል ተኽእሎ ኣሎ።

ህሉው ኩነታት ክታበት፥

ክሳብ ሕጂ 679 ሰባት ኣብ ምምሕዳር/ኮምዩን ኪቭነስዳል ክታበት ረኺቦም ኣለዉ።
ካብዚኦም እቶም 301 ሰባት ክልተ ሳብ ክታበት ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ሕጂ ምሉእ ብሙሉእ ክታበት
ወሲዶም ኣለዉ።
ኣብዚ ሰሙን ዕድሚኦም ልዕሊ 80 ዝኾኑ 12 ሰባት ቀዳማይ ክታበት ዝወሰዱ ክኾኑ ከለዉ፡ 48
ሰባት ድማ ካልኣይ ክታበት ረኪቦም ኣለዉ። ንሕማም ዝተቓልዑ ኣብ ክሊ ዕድመ ትሕቲ 65
ዓመት ዝርከቡ ሰባትን ሰራሕተኛታት ሰብ ሞያ ጥዕናን 132 ክታበት ተዋሂቡ ኣሎ። ኩሎም
እዚኦም ቀዳማይ ክታበት ዝወሰዱ እዮም
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን 72 ሓባ ክታበት ዶስ ክንቅበል ትጽቢት ንገብር። እዚ ነቶም ቀዳማይ ክታብት
ዝወስዱ ክዉሃብ እዩ።
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክታበት ዝቕበሉ ሰባት ብቕጻሊ ክንሕብር ኢና።
ኩሎም ዕድሚኦም ካብ 85 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡ ክኾኑ ከለዉ፡
ዕድሚኦም ካብ 80 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ድማ ኣብ መስርሕ ክታበት ንርከብ።

ህሉው ኩነታት ምርመራ፡

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል መርመራ ዝገበሩ ብዝሖም 2773 እዩ።
መርመራ ንዝገብሩ ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ፡ ኩሎም መርመራ ክገብሩ ዝደልዩ ብዝተኻእለ
መጠን ብቕልጡፍ ኣብ ግዜ ቐትሪ ምስ ማእከል ሕክምና ክራኸቡ ንምዕድ።
ምልክት ሕማም ኣለና ወይ ናብዚ ሕማም ተቓሊዕና ኣለና ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ንምምርማር
ትሑት ወሰን ክህሉ ይግባእ። መዓልታዊ ንምምርማር መርመራ ንምግባር እኹል ዓቕሚ ኣለና።

መትረብ ሓበሬታ

ናይዚ ምምሕዳር/ኮምዩን ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ናትና መርበብ ሓበሬታ/ዌብሳይት እዩ።
ከምኡውን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ብዙሕ ሓበሬታ ኣብዚ መርበብ www.helsenorge.no
ከምኡዉን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ትካል ጥዕና ህዝቢ www.fhi.no ክትረኽቡ ትኽእሉ።