ኩነታት መልከፍቲ ናይዚ ከባቢ

3 ሰባት ኣብ ፍጹም ዉሸባ ኣለዉ ከምኡዉን 23 ሰባት ምስ ልኹፋት ቀረባ-ርክብ ካብ ዝነበሮም ኣብ ዉሸባ/ካራንቲን ኣለዉ። ምስ ልኹፋት ቀረባ-ርክብ ካብ ዝነበሮም ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት መልከፍቲ ኣይተረኽበን።

ህሉው ኩነታት ክታበት፥

ክሳብ ሕጂ 535 ሰባት ኣብ ምምሕዳር/ኮምዩን ኪቭነስዳል ክታበት ረኺቦም ኣለዉ።
ካብዚኦም እቶም 253 ሰባት ክልተ ሳብ ክታበት ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ሕጂ ምሉእ ክታበት ወሲዶም
ኣለዉ።
ኣብዚ ሰሙን 61 ሰባት ካልኣይ ክታበት ዝወሰዱ ክኾኑ ከለዉ፡ 132 ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ናይ
ፋልማይ ክታበት ረኪቦም ኣለዉ።
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን 60 ሓባ ክታበት ዶስ ክንቅበል ትጽቢት ንገብር። እዚ ነቶም ካልኣይ ክታብት
ዝወስዱ ክዉሃብ እዩ።
ከምኡዉን ዕድሚኦም ካብ 65 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ሰብሞያ ጥዕና ዝኸዉን 100 ሓባ ናይ
ኣስትራዜኔካ ክታበት ክንህብ ኢና።
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክታበት ዝቕበሉ ሰባት ብቕጻሊ ክንሕብር ኢና።
መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ካብ 85 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ምሉእ ዝተኸትቡ ክኾኑ ከለዉ፡
ዕድሚኦም ካብ 80 ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ድማ ኣብ መስርሕ ምኽታብ ንርከብ።

ህሉው ኩነታት ምርመራ፡

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል መርመራ ዝገበሩ ብዝሖም 2631 እዩ።
መርመራ ንዝገብሩ ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ፡ ኩሎም መርመራ ክገብሩ ዝደልዩ ብዝተኻእለ
መጠን ብቕልጡፍ ኣብ ግዜ ቐትሪ ምስ ማእከል ሕክምና ክራኸቡ ንምዕድ።
ምልክት ሕማም ኣለና ወይ ናብዚ ሕማም ተቓሊዕና ኣለና ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ንምምርማር
ትሑት ወሰን ክህሉ ይግባእ። መዓልታዊ ንምምርማር መርመራ ንምግባር እኹል ዓቕሚ ኣለና።

መትረብ ሓበሬታ

ናይዚ ምምሕዳር/ኮምዩን ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ናትና መርበብ ሓበሬታ/ዌብሳይት እዩ።
ከምኡውን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ብዙሕ ሓበሬታ ኣብዚ መርበብ www.helsenorge.no
ከምኡዉን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ትካል ጥዕና ህዝቢ www.fhi.no ክትረኽቡ ትኽእሉ።