ትማሊ መንግስቲ ሓድሽ ሃገራዊ ስጕምትታት ኣውጺኡ ኣሎ። ነዚ ስጕምትታት እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣብዚ ኸተንብቦ ትኽእል ኢኻ ።

ብዛዕባ ብዝሒ እቶም ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት እንተ ሓሲብና፡ ርሕቐትና ሓሊና  ነቲ መሰረታዊ ምኽሪ ምቍጽጻር ረኽሲ እንተ ደኣ ስዒብና ኵላትና ነዚ ረኽሲ ንምንካይ ክንሕግዝ ኢና ።

 

እቲ እተዋህበ ምኽሪ ብሓጺሩ እዚ ዝስዕብ ኢዩ -

ንክታበት 'እወ' በል።

•  ክትሓምም ከለኻ መርመራ ግበር፡ ኣብ ቤትካ ተፈሊኻ ተቐመጥ ።

• ብእተኻእለ መጠን ካብ ካልኦት ሰባት ርሕቕትካ ሓሉ፡ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ሓደ ሜተሮ ርሓቕ።

• ኢድ ምጭባጥን ምትሕቑቓፍን ኣወግድ።

• ዓበይቲ ምስ ካልኦት ዘለዎም ቀረባ ርክባት ኪንክይዎ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ኪሓስቡሉ ይሕተቱ።

• ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ታክሲ ኣብ ድኳናት ከምኡውን ኣብ ማእከላት ዕዳጋ ርሕቀትካ ክትሕሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ናይ ኣፍ ኣፍንጫ መሸፈኒ ማስክ ኽትገብር ብሃገር ደረጃ ምኽሪ ተዋሂቡ ኣሎ።

 

ክታበትን መርመራን ንምግባር ብተሌፎን ኮሮና 46 86 49 94 ክትእዘዝ ትኽእል ።

 

ዅነታት መርመራ

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ክቪነስዳል 9 ሰባት ተወሺቦም ኣለዉ ።

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል ቍጽሪ እቶም እተመርመሩ ሰባት 7250 እዩ ።

እቶም ገዛእ ርእሶም ክምርመሩ ዝደልዩ መርመራ ዉጽኢት ብቕልጡፍ ምላሽ ምእንቲ ኽንህበሉ ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ምስቲ ማእከል ሕክምና ክራኸቡ ሓሳብ ምኽሪ ንህብ ።

 

ኵነታት ክታበት

ክሳዕ ሕጂ 4,579 ሰባት ኣብ ምምሕዳር  ክቪነስዳል ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።

3964 ካብዚኣቶም ክልተ ዓቐን ክታበት ተቐቢሎም ኣለዉ፡ በዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።

1,109 ካብዚኣቶም ሰለስተ ዓቐን ክታበት ተቐቢሎም ኣለዉ።