ህሉው ኩነታት ክታበት፥

ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ሚእትን ሓደን ሰባት ኣብ ምምሕዳር/ኮምዩን ኪቭነስዳል ክታበት ረኺቦም
ኣለዉ።
ካብዚኦም እቶም ሓደ ሚእትን ቴስዓን ክልተን ሰባት ክልተ ሳብ ክታበት ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ሕጂ
ምሉእ ክታበት ወሲዶም ኣለዉ።
ኣብዚ ሰሙን ሰማንያን ሓሙሽተን ሰባት ካልኣይ ክታበት ዝወሰዱ ክኾኑ ከለዉ፡ ቴስዓን ሽዱሽተን
ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ናይ ፋልማይ ክታበት ረኪቦም ኣለዉ።
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ሱሳ ሓባ ክታበት ዶስ ክንቅበል ትጽቢት ንገብር። እዚ ነቶም ካልኣይ ክታብት
ዝወስዱ ክዉሃብ እዩ።
ከምኡዉን ዕድሚኦም ካብ 65 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ሰብሞያ ጥዕና ዝኸዉን ሚእቲ ሓባ ናይ
ኣስትራዜኔካ ክታበት ክንህብ ኢና።
ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክታበት ዝቕበሉ ሰባት ብቕጻሊ ክንሕብር ኢና።
መብዛሕትኦም ዕድሚኦም ካብ ሰማንያን ሓሙሽተን ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ምሉእ ዝተኸትቡ ክኾኑ
ከለዉ፡ ዕድሚኦም ካብ ሰማንያ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ድማ ኣብ መስርሕ ምኽታብ ንርከብ።

ህሉው ኩነታት ምርመራ፡

ኣብ ማእከል ሕክምና ክቪነስዳል መርመራ ዝገበሩ ብዝሖም ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን
ሰማንያን ሓሙሽተን እዩ።
መርመራ ንዝገብሩ ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ፡ ኩሎም መርመራ ክገብሩ ዝደልዩ ብዝተኻእለ
መጠን ብቕልጡፍ ኣብ ግዜ ቐትሪ ምስ ማእከል ሕክምና ክራኸቡ ንምዕድ።
ምልክት ሕማም ኣለና ወይ ናብዚ ሕማም ተቓሊዕና ኣለና ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ንምምርማር
ትሑት ወሰን ክህሉ ይግባእ። መዓልታዊ ንምምርማር መርመራ ንምግባር እኹል ዓቕሚ ኣለና።

ህዝባዊ ቀረባት ከምኡዉን ሕግታት ምቁጽጻር ሕማማት

ንኣኼባታት ከምኡዉን ምሰናድኦታት ዝምልከት ሃገራዊ ሕግታት ከነዘኻኽሮም ንደሊ፡ ኣብዚ
የንብቡ፡
ኣብ ክቪነስዳል ህዝባዊ ቀረባት ብዝምልከት እዞም ዝስዕቡ ይኾኑ፡
• ቤተ-መጻሕፍቲ ምዱብ ስርሑ የካይድ
• ቤትምህርቲ ባህሊ እዋናዊ ሕግታት መቆጻጸሪ ሕማማት የኽብር
• ሲነማ ሕጂ ዘለዎ እዋናዊ ሕግታት መቆጻጸሪ ሕማማት የኽብር
• ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት ካብ ሰዓት ዓሰርተ ክሳብ ሰዓት ክልተ ክፉት እዩ።
• ማእከላይ ሰደቓ ምዱብ ሰዓታት ስራሕ ኣለዎ
• በጻሕቲ ሰብ ጉዳይ ምስ ጉዳዮም ዝከታተል ኣቐዲሞም ቆጸራ ክሕዙ ንሓትት
• መሐንበሲ ክቪናባዴ ንኹሎም ነበርቲ ክቪንስዳል ክፉት እዪ። ተጠቀምቲ ኣገልግሎት
ጥዕና ዝኾኑን ካልኦት ተወዲቦም ኣብ ትርፊ ግዚኦም ዝነጥፉ ህጻናትን ትሕቲ ዕስራ
ዝዕድሚኦም መናእሰይ ክፉት እዩ።

መትረብ ሓበሬታ

ናይዚ ምምሕዳር/ኮምዩን ቀንዲ መትረብ ሓበሬታ ናትና መርበብ ሓበሬታ/ዌብሳይት እዩ።
ከምኡውን ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ብዙሕ ሓበሬታ ኣብዚ መርበብ www.helsenorge.no
ከምኡዉን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ትካል ጥዕና ህዝቢ www.fhi.no ክትረኽቡ ትኽእሉ።